Print this page

ርሑስ በዓል ፋሲካ ይግበረልና

2025-04-19 18:22:18 Written by  ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 254 times
Rate this item
(0 votes)

ብቐዳምነት ነቶም ኣብ ዕለት 20 ሚያዝያ 2025 በዓል ትንሳኤ ዘኽብሩ ዘለዉ ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ፥ ንህዝቢ ኤርትራን ጐረባብቲ ሃገራትን ከኣ ብፍላይ፡ እንቋዕ ጾመ-ልጓሙ ፈትሓልኩም እናበልኩ ርሑስ በዓል ፋሲካ ክዀነልኩምን ክዀነልክንን ዘሎኒ ልባዊ ትምኒት ክገልጽ እፈቱ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ እዚ ኣብ ዓለምናን ዞባናን ዝዝንቢ ዘሎ ናይ ውግእን ወረ-ውግእን ሃዋህው ተቐንጢጡ ህዝብታት ዓለም ተሓጋጊዞምን ተሓባቢሮምን ሰላም፡ ፍትሕን ብልጽግናን ዝሰፈና ዓለም ክሃንጹ ጻውዒተይ አቕርብ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

19 ሚያዝያ 2025

Last modified on Saturday, 19 April 2025 20:26