ብቐዳምነት ነቶም ኣብ ዕለት 20 ሚያዝያ 2025 በዓል ትንሳኤ ዘኽብሩ ዘለዉ ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ፥ ንህዝቢ ኤርትራን ጐረባብቲ ሃገራትን ከኣ ብፍላይ፡ እንቋዕ ጾመ-ልጓሙ ፈትሓልኩም እናበልኩ ርሑስ በዓል ፋሲካ ክዀነልኩምን ክዀነልክንን ዘሎኒ ልባዊ ትምኒት ክገልጽ እፈቱ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ እዚ ኣብ ዓለምናን ዞባናን ዝዝንቢ ዘሎ ናይ ውግእን ወረ-ውግእን ሃዋህው ተቐንጢጡ ህዝብታት ዓለም ተሓጋጊዞምን ተሓባቢሮምን ሰላም፡ ፍትሕን ብልጽግናን ዝሰፈና ዓለም ክሃንጹ ጻውዒተይ አቕርብ።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
19 ሚያዝያ 2025