መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት ኣቶ ለምለም በርሀ ዝተባህለ ስደተኛታት መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከም ዝተቐትለ ካብ ቢቢሲ ደንጒና ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ። በዓልቲ ቤት ናይቲ መዋቲ ወይዘሮ ኣብርሀት ምላሽን ካልእ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ብዛዕባቲ ኩነታት ዝፈልጥን ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዋ፡ እዚ ኣቦ 7 ቆልዑ ወዲ 50 ዓመት ግዳይ ቅድሚ ናብ ኣለምዋጭ ምምጽኡ ኣብ መደበር ማይዓይኒ ትግራይ እዩ ዝነብር ነይሩ።
ኣቶ ለምለም ካብ ኤርትራ ቅድሚ 15 ዓመታት ዝተሰደ ኮይኑ፡ ቤተሰቡ ምስኡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ምንባር ካብ ዝጅምሩ ድማ 10 ዓመታት ኮይኑ። ድሕሪቲ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ትግራይ ዝነበራ መደበራት ስደተኛ ምዕጻወን ድማ ሓደ ካብቶም ህይወቶም ንምድሓን ቅድሚ ክልተ ዓመታት ናብ ኣለማዋጭ ዝሰገሩ እዩ።
ቢቢሲ ንኣቀታትላ ኣቶ ለምለም በርሀ ብዝምልከት ምንጭታት ብምጥቃስ ከም ዝሓበረቶ፡ መዋቲ ምስ ወዱ እንከሎ፡ 4ተ ወተሃደራት ከም ዝረኸብዎም እሞ እቶም ክልተ ምስቲ ወዱ ክተርፉ እንከለዉ እቶም ክልተ ድማ “ንደልየካ ኣለና” ኢሎም ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ምስ ወሰድዎ ንጽባሒቱ ጭላ ኣብ ዝበሃል ካብቲ መደበር ብመንገዲ እግሪ ሓደ ሰዓት ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ ተቐቲሉ ከም ዝተረኸበ ኣረጋጊጻ። ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ጭውያ ቅድሚ ምማቱኳ ንፖሊሲ እንተተሓበረ ግና ዝተረኽበ ውጽኢት ኣይነበረን።
ኣቶ ዮሴፍ ዝተባህለ፡ ጸሓፊ ናይቲ መደበር ከምቲ ብዙሓት ናይቲ መደበር ነበርቲ በብግዜኡ ዝብልዎ ኩነታቶም ኣስጋእን መጭወይትን ቅትለትን ዘጋጥሞን ዝኾነ ጠቒሱ። ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ወዲ 12 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣማን መሓመድ፡ ካብዚ መደበር ዝተጨውዩ ብገንዘብ ከም ዝተለቀ ምሕባርና ዝዝከር እዩ።