ፈደራል ዳኛ ኣሜሪካ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣስታት 5 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ዝነበሮም መሰል ግዝያዊ ናይ ምንባርን ምስራሕን ፈቓዶም ሰሪዙ ናብ ሃገሮም ክስጐጉ ንዘውጸኦ መደብ ዓጊትዎ። ዳኛ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ብሪያን ሙርፊ፡ ምምሕዳር ኣሚሪካ ዝኸዶ ሕጊ ናይ ምጥሓስ ውሳነ ብምጥቃስ እዩ ነቲ ውሳነ ብ9 ማዝያ 2026 ዓጊትዎ።
ዳኛ ሙርፊ ኣባላት ኮንግረስ ኣሚሪካ ነቲ ጉዳይ ሕጋዊ መልክዕ ኣብ ምትሓዝ ንዝተጻወትዎ ኣውንታዊ ግደ ብምጥቃስ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ግና ኣብ ምኽባር ሕጊ ከምዘይግደስ ሓቢሩ። እቲ ኩነታት ንሕገመንግስቲ ኣሜሪካን ካለኦት መትከላትን እውን ከም ዝጸልው ኣስፊሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ውሳነ መራሒ ኣሜሪካ ንሓላፍነት ቀወምቲ ትካላት ዝትክእ ኣይኮነን ኢሉ። ምምሕዳር ፕረሲደንት ትራምፕ ነቲ ንዜጋታት 13 ሃገራት ዝምልከት መሰል ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድን ስራሕን ንምስራዝ ዝኸዶ መንገዲ ከኣ ዘይሓላፍነታዊ ነይሩ ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ንኢትዮጵያውን ዝተዋህበ ግዝያዊ ናይ ምንባርን ምስራሕን ፈቓድ ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ውግኣት፡ ግርጭታትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብኡ ንምንባር ዘስገኦም ጸገም ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ዳኛ ኣተሓሒዙ ነቲ ኣቐዲሙ ብፕረሲደንት ኣሜሪካ ዝተወስደ ምስራዝ ግዝያዊ ፈቓድ፡ ንኩነታት ናይተን ዜጋታተን ግዳይ ዝኾኑ ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይምንባሩ ኣብቲ ውሳነኡ ከም ዝጠቐሰ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ናይቲ ፍርዲ ዝሃበ ኣካል ወሃቢ ቃል ብወገኑ፡ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ፡ ንስጉምቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ሕጋዊ መልክዕ ናይ ምትሓዝ ኣብነት እዩ ኢልዎ። ኢትዮጵያውያን ነቲ ዕድል ዝረኸቡ መጀመርያ ብ2022 ኮይኑ፡ ኣብ 2024 ድማ ተሓዲሱ።