- ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሰርዖ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ብ14 መጋቢት 2026 ምስ ኣባላት ሰልፊ ተኸታታሊ ኣኼባታት ኣካይዱ። ኣብዚ ንተሳተፍቲ ዝጥዕም ሰዓታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተኻየደ ኣኼባታት ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰልፊ፡ ኤርትራን ዞባን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
- ኣብ መግለጺኡ ዝያዳ ካብ ዘተኮረሎም ዛዕባታት፡ ክልተ ዓመቱ ዘሕለፈ ፈኸራ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ፡ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ዝምልከት ህዝቢ ግቡእ ግንዛበ ንክረክብ ዘካይዶ ጻዕሪ ኣዝዩ ድኹም ምህላዉን ሰዲህኤን ካለኦት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን ውግእ መፍትሒ ከምዘይከውን ብምርዳእ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታትን ዝምልከት ሰፊሕ መብርህታት ሂቡ። ኣብ ርእሲዚ ኩነታት ሱዳንን ኣብ ዞባና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍን ተለዋዋጥን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን’ውን ኣረዲኡ። ኣብዚ እዋንዚ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ሕግታትን ውዕላትን እናተጣሕሱ፡ ሓይልን ዓመጽን ልዕልና ይሕዝ ምህላዉ ዘሻቕል ዘሎ ተርእዮታት ምዃኑ’ውን ኣገንዚቡ።
- ብፍላይ ንምንቅስቓስ ሰዲህኤ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ዝያዳ ቆላሕታን ኣተኩሮን ብምሃብ ኣብ ዝጠቐሶ ከኣ፡ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝግበኦም ተግብራት መጽናዕቲ ክካየድ ከም ዝጸንሐን ናብ ምትግባሩ ንምእታው ወጺኡ ብዛዕባ ዘሎ ትልምታትን ኣብሪሁ። ኣባላት ሰዲህኤ ነቲ ትልሚ ብምትግባር ዝሓሸ መጻኢ ንምርኣይ ድሉዋት ንክኾኑ ጸዊዑ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ብቋንቋታት ዓረብን ትግርኛን ዝዳለው መደብ ባህግና፡ ብመንገዲ ኤሪሳት ናብ ኤርትራ ይበጽሕ ምህላዉ ጠቒሱ፡ ቀጻልን ኣድማዕን ንክኽውን ከኣ ኣተባቢዑ።
- ከምኡ ከኣ ከም ኣካል ምድላው ን5ይ ጉባአ ሰዲህኤ፡ ብማእከላይ ባይቶ ዝተመዘት፡ ሓጻይት ሽማግለ መደባታት ሰሪዓ ስረሓ ጀሚራ ከምዘላ ጠቒሱ ኣባላት ንክተሓባበርዋ ኣተሓሳሲቡ። ንጉዕዞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኣብ ዝምልከት ከኣ ነቲ ጉዕዞ ንምብራኽን ምስፋሕን ብመጽናዕቲ ናይ ምስናዩ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ሰዲህኤ ኣብዚ መዳይ ኣበርክቶኡ ቀጻሊ ከም ዝኸውን ኣረጋጊጹ።
ድሕሪ’ቲ መብርሂ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዛዕባቲ ኣቦመንበር ዝጠቐሶ ዛዕባታትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ንዘቕረብዎም ሕቶታት መልስን መብርህን ተዋሂቡ። ዝቐረቡ ሃነጽቲ ርኢቶታትን ለበዋታትን ከኣ ተመዝጊቦም። ድሕርዚ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባታት፡ ኣብዚ ቅልጡፍ ምቅይያራት ዝረአየሉ ዘሎ ተሃዋሲ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ሰሰለስተ ኣዋርሕ ዝጋባእ መደብ ርክብ ኣባላት ምፍጣሩ ንኢዶም፡ ኣብ መጻኢ ቀጻሊ ክኸውን ከኣ ተላብዮም።
ኣቦመንበር ኣኼባታት ኣብ ዝደምደመሉ፡ ተሳትፎ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝነኣድ ኮይኑ ምጽንሑ ደጊሙ ብምምጓስ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዝተፈላለየ ገጻት ዘለዉዎ ብደሆታት ንምብዳህ ኣበርክቶኦም ኣሕይሎም ክቕጽሉ ኣዘኻኺሩ።