Print this page

መልእኽቲ ሰላምታ ንጉስ ቻርለስ 3ይ፡ ናብቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን

2026-01-03 10:21:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 310 times
Rate this item
(0 votes)

ንጉስ ቻርለስ 3ይ

እንግሊዛዊ ንጉሰ ቻርለስ 3ይ፡ መበል 70 ዓመት ናጽነት ሱዳን ምኽንያት ብምግባር፡ ናብ ህዝቢ ሱዳን ናይ እንኳዕ ኣብጸሓኩም መግለጺ ሰናይ ትምኒት መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብቲ ኣብ  ሱዳን ብዝርከብ ቤት ጽሕፈት ብሪጣንያ ዝተዘርገሐ መልእኽቲ፡ ንጉስ ቻርለስ ሃገሩን ሱዳንን ነዊሕ ዝዕድመኡ ናይ ሓባር ታሪኽ ከም ዘለወን ኣስፊሩ። እቲ ኩለ መዳያዊ  ምሕዝነት ናይ ክልቲአን ሃገራት ከም ዝቕጽል ዘለዎ ትምኒት ከኣ  ጠቒሱ።

እቲ መልእክቲ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘሕዝን ናይ ቅልውላው ኩነታት ዘኪሩ፡ ዝሓደሮ ሻቕሎት ብምጥቃስ  ድማ  ምስ ህዝቢ ሱዳን  ከም ዝደናገጽ ጠቒሱ። ነቲ ኣብ ሱዳን ዝወርድ ዘሎ ሰፊሕ ሰብኣውን ማሕበራውን ብኩራት ዘኸትሎ ዘሎ ናይ ጥምየት ሓደጋን ከኣ ዘኪሩ። እቲ ንጉስ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ሓደገኛ ኩነታት ዝረኣየሉ ዝሎ እዋን ምስ ህዝቢ ሱዳን ከም ዝስለፍ  ዘመልክት መልእኽቱ  ከኣ ኣመሓላሊፉ። ናይ ህዝቢ ሱዳን ናይ ሰላምን ምርግጋእን ምርጫ ከም ዝድግፍ ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ምትእስሳር ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ከም ዝሕይል ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ።

እቲ በቲ ንጉሰ ዝተኸተመ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ሱዳን፡ ኣብ መወዳእታ፡ ምስ ኩሉቲ ከቢብዎ ዘሎ ኣጨናቒ ኩነታት፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ንዘሎ ታሪኻዊ ዝምድና ግቡእ ኣቓልቦ ክወህቦ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ብሓበሬታ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን  ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቕ ተወርዋሪ  ሓይልን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሱዳናውያን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡ ሓደ ሲሶ ካብቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ሓደገና ጥሜት ወዲቑ ኣሎ።

Last modified on Saturday, 03 January 2026 11:27