Print this page

ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈረንስ ማዕርነት ጾታን ጉባኤ ዴሳዊ ሰልፊ ስዊስን ተሳቲፉ

2025-10-29 20:45:28 Written by  ቤት/ጽ ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 122 times
Rate this item
(0 votes)

ኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈረንስ ማዕርነት ጾታ ኣብ ሉዘርን፡ ስዊዘርላንድ

 ብኣደ-መንበር ምእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ወ/ሮ ኣስገደት መሕረተኣብ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ካብ 24 ክሳብ 26 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ከተማ ሉዘርን፡ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ-መጽናዕቲ ማዕርነት ጾታ ናይ ዓለም ገስጋሲ  ሓይልታት (Progressive Alliance) ንጡፍ ተሳትፎ ገይሩ። ከምኡ’ውን እቲ ልኡኽ፡ ብድሕሪ-ቐትሪ ናይ 25 ጥቅምቲ ኣብ ጥቓ ሉዘርን ኣብ ዝተኻየደ እሞ ዓቢ ተሳትፎ ጉባኤኛ ዝነበሮ ጉባኤ ሰልፊ ሶሻሊስት ስዊዘርላንድ ክሳተፍ ክኢሉ።

ከም ዝዝከር፡ ሰዲህኤ ካብቶም ብ2013 ኣብ ከተማ ላይፕዚግ፡ ጀርመን፡ ንProgressive Alliance/ምሕዝነት ገስገስቲ ካብ ዝመስረቱ ሰልፍታት ነይሩ። ቀጺሉ ከኣ ላዕለዎት ልኡኻት ሰዲህኤ ከም ኣብ ቱኒዝያ፡ ብራስለስ፡ ሮተርዳም፡ በርሊን፡ ስቶክሆልምን ካልኦት ከተማታት ምዕራብ ኤውሮጳን ኣብ ዝተኻየዱ ጉባኤታቱ ኮነ ኣብ ጉባኤታት ኣባላት ውድባቱ ክሳተፍ ጸሊሑ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ ብሰልፊ ሶሻሊስት ስዊዘርላንድ (SP) ዝተኣንገደ ዓውደ-መጽናዕቲ ማዕርነት ጾታ፡ ኣስታት 100 መራሕቲ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ 48 ሃገራት ዝተሳተፈኦ እዩ ነይሩ። ኣፍሪቃ ብሸውዓተ ኣባላት ሰልፍታት ተወኪላ ነይራ። ንሳተን ከኣ ካብ ካሜሩን፡ ኤርትራ/ሰዲህኤ፡ ጋና፡ ናይጀርያ፡ ኢስዋቲኒ (ናይ ቀደም ስዋዚላንድ)፡ ሞሮኮን ምዕራባዊ ሳህራን ነበራ። ቀንዲ ዛዕባ ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ "ምስፋሕ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነትን፡ ናይ ዓለምና ጸጥታን ሰላምን” ዝብል ነይሩ።News Item 29.102                                                                                ኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈረንስ ማዕርነት ጾታ ኣብ ሉዘርን፡ ስዊዘርላንድ

ብላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ዘአንገደ ሰልፊ (SP) ድሕሪ ናይ መኽፈቲ ቃላት ምቕራቡ፡ ኣወሃሃዲት ናይ ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ፡ ዝኾነት ፍሊፒናዊት ወ/ሮ ማክሪስ ካብሬሮስ፡  ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኲለን ሃገራት ክድንፍዕ እናጸውዔት ነቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ከፊታቶ። ናይ ስዊዘርላንድ ዴሳዊ ሰልፊ ብሓባራዊ ኣቦ-መንበርነት (co-chairmanship) ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ዝምራሕ ምዃኑ ጠቒሳ ከኣ፡ እዚ ንኹሎም ኣባላት ሰልፍታት ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ብምባል ንኢዳቶ። ከምኡ’ው ናይ መኽፈቲ መደረ ዘስምዓ ክልተ ኣደ-መንበራት (co-chairs) ግብረ-ሓይሊ ማዕርነት ጾታ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መስርሓት ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብማዕረ ደረጃ ሰብኡት ክካፈላ ከም ዝግባእ ኣትሪረን ተዛሪበን።

ካብኡ ብምቕጻል፡ ቀንዲ መደረ (kenote speech) ዘስመዐት፡ ወ/ሮ ሲሞኔታ ሶማሩጋ፡ ኣባል ዴሳዊ ሰልፊን ናይ ስዊዘርላንድ ፕረዚደንት-ነበርን ናብ መድረኽ ተዓዲማ። ኣብቲ ንኹለን ደቂ-ኣንስትዮ ንመሰለንን ሓቀኛ ሓርነተንን ደው ክብላ ዘተባብዕ መደረኣ፡ ወ/ሮ ሶማሩጋ ንሃገራ ከም ሓንቲ ካብተን "ንስድራ ቤት ብዙሕ ዘይምቹኣት" ሃገራት ዓለም ገሊጻታ። ከምኡ'ውን ዳርጋ ንኹለን ሃገራት ዓለም በቲ “ነውራም ተግባር” ዝበለቶ ፍልልያት ኣብ ኣከፋፍላ ደሞዝ ንደቂ-ኣንስትዮ ነቒፋን ኮኒናን።

ወ/ሮ ማሪያን ሚኮ፡ ምክትል-ኣደ-መንበር ኮሚቴ ንምጥፋእ ምፍልላይ ኣንጻር ደቂ-ኣንስትዮ (UN CEDAW)፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓለም-ለኸ ሽምግልናታትን ዘቴታትን ካብ 50% ክውሕድ ከምዘይብሉ ኣትሪራ ተጣቢቓ። ወ/ሮ ማርሻ ሎፐዝ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ብራዚል ኣብ መደረኣ፡ "ብዘይ ፍትሒ ማሕበራዊ ሰላም የለን"፡ ከምኡ'ውን "ብዘይ ድምጺ ደቂ-ኣንስትዮ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ክህሉ ኣይክእልን እዩ" ኢላ።

እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ሰለስተ ናይ ልዝብ መድረኻት (panel discussions) ምስ ኣስታት 20 ኣቕረብቲ ዝነበሮ እዩ። ካብ ተሳተፍቲ ሕቶታትን ርእይቶታትን እውን ይቕበሉ ነይሮም። ቀንዲ ዛዕባታት ናይቲ ልዝባት 1) ኣብ ከምዚ ናይ ሎሚ ዘይተረጋግአ ዓለም ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምድንፋዕ፡ 2) ኣብ ሶሻል ሚድያ ዝፍጸም ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ዓመጽ ንምቅላስ ዝተወስዱ ትምህርታት፡ ከምኡ'ውን 3) ሰላም፡ ጸጥታ ከምኡ’ውን ብቕዓታት ደቂ-ኣንስትዮ ምድንፋዕ ዓቢ ትኲረት ይግብኦም ኣጀንዳታት እዮም ዝብሉ ነይሮም።News Item 29.103ዳርጋ ነፍሲ-ወከፍ ተዛራቢት፡ ንምስፋሕ ቃልሲ ማዕርነት ጾታ ዘዕዝዝ ሃብታም ተመክሮታትን ሓድሽ ሓሳባትን ሒዛ ቀሪባ። ማዕረ-ደረጃኡ ትምህርታውን መተባብዕን ንተሳተፍቲ ዝነበረ ድማ፡ እቲ ኣብ ጉጅለኣዊ ዕላላት ዝተኻየደ ምልውዋጥ ሓሳባትን ንቐጻሊ መራኸቢታት ምልውዋጥ ኣድራሻታትን እዩ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ ካብ ሕጂ ንደሓር ምስ ኩሉ ምልውዋጥ ርእይቶታት ምስ ደቂ-ኣንስትዮ ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ክህልዎ እዩ።

እቲ ብሓያል ተቓላሲት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ዝኾነት ብወ/ሮ ኣስገደት፡ ዝተመርሐ ኤርትራዊ ልኡኽ፡ ምስ ዓበይቲ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ዝኾና ከም እኒ ቀንዲ መደረ ዘስመዐት ሶማሩጋ፣ ምስ ምክትል ኣደ-መንበር UN CEDAW፣ ምስ ኣተሓባባሪት Progressive Alliance ወ/ሮ ካብሬሮስን ካልኦት መራሕቲ ምንቅስቓሳት፡ ካእባኢ ዝርርባት ብምክያድ ነቲ ኣጋጣሚ ብጽቡቕ ተጠቒሙሉ፡፡

ተሳትፎ ኣብ ጉባኤ ሰልፊ ስዊዘርላንድ

እቲ ካልእ ኣገዳሲ ፍጻመ ናይቲ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ልኡኻት ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ኣብቲ ወጻኢ ካብ ከተማ ሉዘርን ዝተኻየደ ስሩዕ ጉባኤ ሰልፊ ሶሻሊስት ስዊዘርላንድ ምስታፎም እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቦታ ጉባኤ ምስ በጽሑ፡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃላት ብኣደ-መንበር ዴሳዊ ሰልፊ ስዊዘርላንድን ኣባል ቦርድ ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ቀሪቡ። ምስ ኩለን ዲሞክራሲያውያንን ኣሓት ሰልፍታት ዘለዎም ጽኑዕ ምትሕግጋዝ ገሊጾም።  ብወገና፡ ኣተሓባባሪት ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ንዴሳዊ ሰልፊ ስዊስ ዕዙዝ ምስጋና ኣቕሪባ።News Item 29.104ተሳተፍቲ ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ኣብ ጉባኤ ሰልፊ ሶሻሊስት ስዊዘርላንድ ዝጸንሑሉ ኣስታት ሰለስተ ሰዓታት፡ እቲ ክትዕ ብዘይ ዝኾነ ጸገም፡ ብኣርባዕተ ቋንቋታት ስዊዘርላንድ – ማለት ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ጥልያን ሮማንሽ - ቀጺሉ። 70% ህዝቢ ስዊስ ብጀርመን፡ 20% ብቋንቋ ፈረንሳ፡ 9% ብጣልያን፡ እቲ 1% ከኣ ብሮማንሽ ዝበሃል ብቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ እዩ።

Last modified on Thursday, 30 October 2025 16:00