Print this page

ምክሳስ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት

2025-10-09 19:05:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 113 times
Rate this item
(0 votes)

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስትሩ ዶር ጌደዎን ጢሞትዎስ ብዝተኸተመ ደብዳበ  ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራን ክልል ትግራይ፡ ብ2 ጥቅምቲ 2025 ክሲ ኣቕሪቡ። ክልቲኦም ወገናት ከኣ ነቲ ክሲ መልሲ ሂበምሉ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ነቲ ናብ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ዘቕረቦ ክሲ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2025 ኣንጻር ኤርትራ ኣቕሪብዎ ዝነበረ ናይ ክትወረኒ እያ ስምዕታ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ተግባሩ ንክቑጠብ ተጽዕኖ ክግበረሉ እናተጸበየ፡ ምስ ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ “ህወሓት” “ጽምዶ” ብዝብል ተሓባቢሮም፡ ኣብቲ ፋኖ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻሩ ዘካይዶ ዘሎ ውግእ ኢድ ኣእትዮም ይወግእዎ ከም ዘለዉ ኣብቲ ክሱ ኣስፊሩ።

 እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብመንገዲ ናይ ትዊተር ( X) ገጹ  ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ጭጉራፍሲ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ” ኣብ ትሕቲ ዝበል ቴማ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ 2ተ ዓመታት “ብሰላም ይኹን ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ክንውንን ኢና” ክብል ከም  ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ እዚ ሓዲሽ ክሱ ከኣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ሕብረተሰብ ዓለም ዘለዎ ንዕቀት ዘርእን ገበናቱ ንምሽፋንን ዝመሃዞ እዩ ኢሉ ነጺግዎ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብወገኑ፡ ብ9 ጥቅምቲ 2025 ናብ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተርዝ “መብርሂ ብዛዕባቲ ዝቐረበና ክስን ድልዉነትና ንትግባረ ውዕል ፕረቶርያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል፡ ናይ ተቓውሞ መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብቲ መልእኽቱ ነቲ ክሲ ነጺጉ ብዛዕባ ትሕዝቶ ውዕል ፕሪቶርያን ዘይተተግበረሉ ምኽንያታት ዝበሎን ዘርዚሩ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱዎ።

ክሲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንኤርትራ ብዝምልከት ዘስፈሮ ክሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ህውከት ንምፍጣር ይካየድ ኣብ ዘሎ  ውግእ ምስ ናይ ኢድ ኣዙር መሻርሕቱ ተሓባቢሩ፡ ገንዘብን ንውግእ ዘድሊ መሳለጥያታትን የቕርብ ከም ዘሎ ዝጠቅስ ሓተታ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ብኤርትራ ዝረአ ዘሎ ምትኹታኽ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ግና ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ባህጊ ብሰላማውን ቁጠባዊ ምውህሃድን ጥራይ ከተረጋግጾ ከም እትደሊ ዝሕብር ሓሳብ ኣስፊሩ።

ይኹን እምበር፡ ምስቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት ብቐጻሊ ዘስመዖ ዘሎ መደረታትን ዘካይዶ ጐስጓሳትን እዚ ሓድሽ ክሲ፡ ምስምስ ንምጅማር  ውግእ ከይከውን ገለ ወገናት ስግኣት ኣለዎም።

Last modified on Thursday, 09 October 2025 21:12