እድሪስ ሑመድ ብዝተባህለ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ዝተሳእለ
ኣብ ክልል ዓፋር ኢርታለ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብ ቦታ፡ እሳተ-ጐመራ ብተኸታታሊ ይተፍእ ከም ዘሎ፡ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ናይ ክፍሊ ጂኦለጂ ሓላፊ፡ መምህርን ተመራማርን፡ ኖራ ያኒሚኦ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ እቲ ነትጒ እሳተ-ጐመራ ተፈጢሩ ሓያል ጸሊም ደሮና ከም ዘኸተለን ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከስዕብ ከም ዝኽእልን ብምርግጋጽ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብዚ ብዙሓት በጻሕቲ ሃገር ዝመላለስሉ ኣዝዩ ተሃዋሲ ቦታ፡ እቲ ነትጒ ከጋጥም ሓድሽኳ እንተዘይኮነ፡ እዚ ናይ ሎሚ ግና፡ ዝሓየለ ብምዃኑ ናብቲ ከባቢ ቀሪቦም ምስልታትን ቪድዮታት ዝቐርጹ ወገናት ጥንቃቐ ንክገብሩን ክዕገሱን እቲ ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባዚ ክስተት ኣብ ወጻኢ ምስ ዘለዉ ክኢላታት ናይቲ ተረኽቦ ይወኻኸስሉ ከምዘለዉ እውን ኣብቲ ብመርበብ ሓበሬታ ዝተዘርግሐ ዜና ተጠቒሱ።
እዚ ናይ 15 ሓምለ 2025 ክስተት፡ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ቦታ ክሳብ ምስንጣቕ መሬት ኣኸቲሉ ዝነበረ ምንቅጥቃጥ ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣህጉራዊ ፕሮግራም ነትጒ መሬት ብወገኑ ነቲ ተርእዮ ተኸታቲሉ ዝምዝግቦ ዘሎ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ እዩ።